Intro Book
Best Tigrinya book ever

ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ

ኣብ ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ 'ታ ዝበለጸት መጽሓፍ።

"ቋንቋ ትግርኛ ንዝተሓላለኸ ሓሳባትን ዝተወሳሰበ ፍጻሜታትን ኣብሪሁ ክገልጽ ከምዝኽእል፡ ሃብታምን ላዛ ዘለዎ ቋንቋ ምዃኑ ኣብ ኢድ እቶም ብግቡእ ዝመራመሩሉን ዝመልክዎን ደረስቲ ምስ ዚኣቱ ልዑል ክብሪ ዘለዎ ስነ ጥበባውን ስነ ጽባቐኣውን ስራሓት ኪውፈየሉ ዝኽእል ቋንቋ ምዃኑ “ማርቆሳይ ወይኒ ምስ ሕምባሻይ” ትምህረና።"

ምስክርነት ዶር. ኪሮስ ፍረ ፣ ኣማኑኤል ሳህለ፣ ኣስረስ ተሰማ፣ ተክአ ተስፋይ፣ መምህር ሙሳ ኣሮን
ኣብ ኣህጉራዊ ሲምፖዝዩም ቋንቋ ትግርኛ (ኣስመራ 1993)

Buy Now

50th Anniversary - special edition

The most famous Tigrinya Book ever printed celebrates its 50 years since its publication. The edition is produced with the highest quality and best book design in mind.

  • 340 pages of amazing cultural stories, poems and traditions from Eritrea
  • Professional Design
  • High Quality Hardcover
  • Shipping All Over The World
Get your copy today
Book Feature

Look inside

መቅድም

Review

ምዕራፍ 1

First Chapter

ዛንታ

Folk stories

chapter 1

Folk song

ምዕራፍ 9

Beauty

ጽገረዳ

Hand Drawing

standing man

ብዛዕባ ደራሲ

ኣባ ይስሃቕ ገብረኢየሱሰ፡ ከም ፈላሲ ዓቢ ናይ ሃይማኖት ኣቦ፣ ከም ንፍትሒ ከይተሓለሉ ዝቃለሱ ተጋዳላይ፣ ከም ተመራማራይን ናይ ስነ ጥበብ መምህርን ዘገልግሉ፣ ናይ ዘመን'ና ዓቢ ህያብ ምዃኖም ሓያሎ ክኢላታት ስነ-ጥበብ ይምስክሩ። ኣባ ይስሃቕ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ ካልእ ዓውድታት ዘበርከትዎ ሙያ ኣብ ታሪኽ፡ ስነ-ባህሊ፡ ስነ-ሰብ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ስነ-ጥንቲ፡ ስነ-ፊደልን ቋንቋን፡ ብሓፈሽኡ ንባህልን መንነትን ሃገሮምን ህዝቦምን ዘጉልሕ ልዕሊ 40 መጽሓፍቲ ዘበርከቱ ዘይሕለሉ ኣቦ ኢዮም።

ማርቆሳይ ዝተሓላለኽ ጽባቐን ብድሆን ማሕበራዊ ናብራን መስተንክራዊ ኣጋጣሚታትን ዝመልኣ ልበ-ወለዳዊት መጽሓፍ እያ። ባህላዊ መዛሙራት፣ ድርፍታት መርዓን ጥምቀት፣ ናይ ሓዘን መልቀስ፣ ትምህርታዊ ግጥምታትን ጽውጽዋያትን ምስቲ ዛንታ ብዝዛመድን ብዘዘናግዕን መልኽዕ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እቲ ዝዓበየን ታሪኻዊት ዝገብራ ግን ኣብ ኣመራርጻ ቃላት፣ ኣገላልጻ ሓሳባት፣ ንጹርነት ትርእዮታት፣ ናይ ኣባ ይስሃቕ ምልከት ቋንቋ ትግርኛን ዓሚቕ ፍልጠት ባህልን ልምድን ሕብረተሰብና እዩ። ኣብነት ናይቲ ክብጻሕን ናብ ዝቕጽል ወለዶ ክመሓላለፍን ዝግባእ ስነ ጽሑፋዊ ደረጃ ትግርኛ ንኽትገልጸልና ብተገዳስነት ከነንብባን ከነጽንዓን ይግብእ።

share
email